ኣነ ድራር ገብሩ ዝተባሃልኩ ወደይ ናኦድ ድራር ዝተባሃለ ወዲ 17 ዓመት ብሰንኪ ዝሓደሮ ሕማም ነርባዕተ ዓመት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ተወሳኺ ናይ ዓይኒ ጸገም ስለ ዘስዓበሉ ናብ ዑረት ከይምርሐ ከሎ ንደገ ከይዱ ክሕከም ናይ ፍቓድ ወረቐት ተዋሂቡና ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ-ኣበባ ንርከብ። ኮይኑ ግን ኩሉ ነገር ልዕሊ ዓቅምና ስለ ዝኾነ ኩልኹም ግዱሳት ኤርትራውያን የሕዋተይን ገበርቲ ሰናይን ሂወት ናኦድ ንምድሓን በብዓቅምኹም ዝክኣለኩም ክትሕግዙኒ ብስም ፈጣሪ ብትሕትና ይምሕጸነኩም ። ዘውጻእኩሞ ኣምላኽ ዕጽፍን ድርብን ገይሩ ይተክኣልኩም።
Artículos relacionados