![](https://d2g8igdw686xgo.cloudfront.net/73799789_1688218326962508_r.png)
ሰላም ምስ ጥዕና ንኹላትኩም እናተመነና፡ እዘን ትርእይወን ዘለኹም ደቕና ብሕማም Downs Syndrome Diagnose ዝሳቐያ ዘልዋ ዕሸላት ደቕና እየን። ህያብኤልን ሉልያን ተስፋገርጊስ፡ ምስ ተወለዳ ካብ 10 ወርሒ ኣትሒዘን ክሳዕ ሎሚ ዕለት ዘጥቐዐን ዘሎ ሕማም እዩ። ኣብዚ ሰዓት ደቂ 6ን 7ን ዓመት ኮይነን ኣለዋ። ኣዲኤን ክትኣልየን ካብ ዓቕማ ንላዕሊ እናኾና ብምምጽኡን፡ ኣቦአን ድማ እኹል ደሞዝ ምሕከሚኤን ዝኸዉን ስለ ዘይብሉ፡ ደቅና ሓገዝ ናይ ሕክምና ክረኽባ፡ ኩላትና ዓቕምና ዝፈቐዶ ኢደይ ኢድካ ክንብል፡ ኣምላኽ ጸጋ የብዝሓልና። ብመገዲ ተከስተ ኣጽባሃ ጎ ፋንድሚ ከፊትና ኣሎና እሞ፡ ካብዚ ዘለወን ቃንዛን ሕማምን ንምንጋፍ ዓቕምና ክነበርክት ብትሕትና ንላቦ። ናብ ካልእ ክበጽሕ ክትተሓባበሩናን ክትነግሩልናን ከለኹም ዓብይ ሓገዝ እዩሞ፡ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ንብል። ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ተከስተ ኣጽባሃ ብምድዋል 00447946310150 ክትወከሱ ትኽእሉ። ኣምላኽ ጥዕናኹምን ሕይወትኩምን ይባርኽ፡ "ካብቲ ዝቕበል እቲ ዝህብ ዝያዳ ይባርኽ" እዩሞ፡ በዚ ኣጋጣሚ ኩላትና ብትሕዝቶና ክንባረኽ፡ ኣምላኽ ጸጋ የብዛሓልና። Dear brothers and sisters, Hyabel and Lulia Tesfagergis, are six and seven years old and have suffered from Downs Syndrome Diagnoses since they were ten months old. Their mother is beyond her means to take care of them, and their father is a government employee and does not have much salary. May God bless us to say hand in hand as much as possible. Thanks for sharing in the name of God. For more information, contact Tekesete Atsbeha 07946310150. Click the link below to watch the video for more details. ናይ ደቅና ጸገም ንምርኣይ፡ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ብምጽቃጥ ነቲ ቪድዮ ክትከታተልዎ ትኽእሉ። https://www.youtube.com/watch?v=wFYZPqEDMjA
Artículos relacionados