arrow_back
LFEBridge
DONATE

close


My Cousin Tesfay Mesgina suffering from Cancer ሓንቲ ለሚን ንሓደ ሰብ ትዕርዕሮ'ያ ንብዙሓት ግን ፈውሲ እያ ። ከቢድ ሽግር ድማ ንሓደ ሰብ ልዕሊ ዓቕሙ ይኸውን፡ንብዙሓት ግን ዝቐለለ ጾር እዩ ። እዚ ኣብ ላዕሊ ንርእዮ ዘለና ሓውና ተጋዳላይ ተስፋይ ምስግና ኣዘነ (ወዲ ሓርቢ ) ዝተባህለ ኤርትራዊ ዜጋ ፡ ኣብ ሱር መልሓሱ ከባቢ ሳጹን ድምጺ (larynx) ሓደገኛ ካንሰር ማለት (malignant ) ስለ ዝሓመመ ፡ ንዝሓሸ ፍወሳ መንግስቲ ብዝገበረሉ ወጻኢታት ናብ ሱዳን ፡ካርቱም ኣብ ትሕቲ ሕክምና ድሕሪ ምጽንሑ ምስዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ህሉው ኩነታት ሕክምንኡ ኣቋሪጹ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምምጻእ ፡ ኣሞ ድማ ሕማሙ ገና ግቡእ ሕክምንኡ ስለዘይዛዘመ ፡ ብወጻኢታቱ ናብ ካልእ ሃገር ከይዱ ሕክምንኡ ክቕጽል ሕክምናዊ ሓበሬታን መዲካል ቦርድ ፍቓድ ስለተዋህቦን ንህዝቡ ኣሚኑ ክብገስ ወሲኑ እሎ ።እቲ ንሕክምንኡ ዝተሓተተ ገንዘብ ልዕሊ 70'000 usd ስለዝዀነ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለዝኮኖን እምንትኡ ኣብ ኩላትና ኣንቢርዎ ኣሎ ። ኩሉኹም ግዱሳትን ርህሩሃትን ኣሕዋት ኢደይ ኢድካ ኢልና ነድሕኖ ። ናትና ንእሽተይ ኣበርክቶ ተደሚራ ሂወት ስለእተድሕን።ኣኽሊሉ ተስፋጽዮን




Artículos relacionados