arrow_back
LFEBridge
DONATE

close


ጻዎዒት ሓገዝ ንብሕማም ካንሰር ዝሳቀ ዘሎ ሓውና ኣብርሃም ፋሲል በስመኣብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን! ሰላምታና ብምቅዳም ተቀማጢ ከተማ ሉድ (እስራኤል) ዝኾነ ሓውና ኣብርሃም ፋሲል (ወዲ ፋሲል) በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ (4) ቆልዑን ኮይኑ ብጽኑዕ ሕማም ካንሰርን ሽኮርያን ካብ ዝሓምም ድሮ ሓደ ዓመቱ ኣቁጺሩ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ብዘለዎ ፋይናንሳዊ ዓቅሙ ጸኒሑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እቲ ሕማም እንዳኸበደ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ ሚኢቲ ሽሕ 100,000 ሸክል ንላዕሊ ዕዳ ናይ ሕክምና ስለ ዝተባህለ ደቁን በዕልቲ ቤቱን ኣብ ጭንቀት ይርከቡ። ስለዚ ነዞም ስድራ ሓውና ኣብርሃም ኣጆኩም ኣለናልኩም ንበሎም ዓቅምና ዝፈቀዶ ኢድና ንዘርግሓሎም እግዚኣብሔር ኣምላክና ዘውጻእኩሞ ይተክኣልኩም። "ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ" 2 ቄረንቶስ 9፡7 ሓደራ ዓቅምና ነበርክት ኣቤል ከሰተ Ruba Eri California, USA 




Artículos relacionados